6ይ ዙር ጉቫኤ ምጥያሽ ተመረፅቲ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ዙር ጉቫኤ ምጥያሽ ተመረፅቲ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተኻይዱ።

እቲ ኮከስ በቢሓሙሽተ ዓመት ሓዱሽ ቤት ምኽሪ እንትጣየሽ ሓቢሩ ዝጣየሽ እንትኸውን፥ ዕላምኡ ድማ ኩለመዳይ ተሳትፎ፣ መሰልን ረብሓን ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ክፍፍል ስልጣን ፖለቲካ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍትሓውነት ንኅህልዎ ካብ ምግባር ሰፊሕ ስራሕ ምስርሑ ኣብቲ ጉባኤ ዝቐረበ ሰነድ ተገሊፁ፡፡

ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወ/ሮ ሎሚ በዶ፥ ኩለመዳይ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ብዝተማለአን ውፅኢታዊን ብዝኾነ መልክዑ ንምርግጋፅ እቲ ኮከስ ጠንኪሩ ንኽሰርሕ ኣተሓሳሲበን፡፡

ኣብ ምጥያሽ ጉባኤ እቲ ኮከስ፥ ስትራቴጂክ ትልሚን ትልሚ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝፀደቐ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment