6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ወፃኢ ሃገራት ገለፃ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ዝካየድ  6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ወፃኢ ሃገራት ገለፃ ይግበረሎም ኣሎ።

ላእለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት  ቋንቋንታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩምን መብርሂ እናሃቡ ይርከቡ።

ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብቲ እዋን ገለፃ ከምዝበሉዎ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ተኣማኒን ፍትሓዊን ኮይኑ ንኽካየድ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ተገይሮም ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ ንተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ምቹው ኩነታት ክጠረሎም ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፊ ድማ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኢትጵያ ኣብ 2012 ዓ.ም ክተካይዶ ዝነበረት ሃገራዊ መረፃ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኽናዋሕ ምግባሩ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ሚኒሰስቴር ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዘቐመጡዎም ቅድመ ኩነታት ብምምላእ መረፃ ምክያድ ከምዝከኣል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሞክሮ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እውን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝቐረበሉ ምኽ ሓሳብ ተቐቢሉ መረፃ ንኽካየድ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment