59 ሺሕን 968 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ይራገፍ ከምዘሎ ተገሊፁ

59 ሺሕን 968 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ይራገፍ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ዝኸውን 59 ሺሕን 968 ነጥቢ 1 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ይራገፍ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ነቲ ዘበነ ምህርቲ ካብ ዝኸውን 24 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 632 ሺሕን 965 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምጉዕዓዙ ተገሊፁ።

1 ሚሊየን 700 ሺሕን 763 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ብ13 መርከባት ተፃዒኑ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።

ናብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝተጎዓዓዘ 632 ሺሕን 965 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 95 ሺሕን 340 ሜትሪክ ቶን ዝተጎዓዓዘ ብባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ዝተረፈ 537 ሺሕን 625 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ድማ ብደረቕ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment