ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ዝኸውን 59 ሺሕን 968 ነጥቢ 1 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ይራገፍ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ነቲ ዘበነ ምህርቲ ካብ ዝኸውን 24 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 632 ሺሕን 965 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምጉዕዓዙ ተገሊፁ።
1 ሚሊየን 700 ሺሕን 763 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ብ13 መርከባት ተፃዒኑ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።
ናብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝተጎዓዓዘ 632 ሺሕን 965 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 95 ሺሕን 340 ሜትሪክ ቶን ዝተጎዓዓዘ ብባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ዝተረፈ 537 ሺሕን 625 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ድማ ብደረቕ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።