ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)550 ሺሕ ኩንታል ተወሳኺ ዘበናዊ ዱኽዒ ዳፕ ዝፀዓነት መርከብ ትማሊ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐት ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2017/18 ካብ ዘድሊ ዘበናዊ ዱኽዒ÷ እቲ 1 ሚሊየን 572 ሺሕን 500 ኩንታል ኣብ ወደብ ከምዝበፅሐ ዝገለፀ እቲ ኮርፖሬሽን፤ ክሳብ ሕዚ 860 ሺሕን 482 ኩንታሉ ናብ ሃገር ከምዝተጓዓዓዘ ገሊፁ።
ኣብ ቀረባ እዋን 2 ሚሊየን 960 ሺሕን ኩንታል ዳፕን 485 ሺሕን ኩንታል ዩሪያን ብሓፈሻ 3 ሚሊየን 445 ሺሕን ኩንታል ተወሳኺ ዘበናዊ ዱኽዒ ብተኸታታሊ ኣብ ወደብ ክበፅሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።