54 ሽሕ ሄክታር መሬት ትግራይ ብመስኖ ለሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ ልዕሊ 54 ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ምልምዑ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ልምዓት መስኖ ንልዕሊ 200 ሽሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ዝገበረ ምዃኑ መራሒ ጉጅለ ኣሕምልትን ቅመማ ቅመምን እቲ ቢሮ ኣይተ ሓየሎም ተካ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ ካብ ዝለመዐ መሬት እቲ 30 ሚእታዊ ኣብ ኻልኣይ ዙርያ ልምዓት መስኖ ንምልማዕ እናተሰረሐ ምዃኑ ኣይተ ሓየሎም ገሊፆም።

ሓረስታይ ካብ መስኖ መዓልታዊ ኣታዊ ንክህልዎ ዘኽእል ኣንፈት ተግባራዊ ብምግባር ኣብዚ ዓመት 7 ሚልየን ኩንታል እቶት ካብ መስኖ ንምርካብ ፃዕሪ የግበር ኣሎ ዝበሉ እቶም መራሒ ጉጅለ፥ ዛጊድ ኣስታት ሓደ ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ተረኺቡ እዩ ኢሎም።

68 ሽሕ ሄክታር መሬት ትግራይ እኹል ማይ ዘለዎን ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእልን ምዃኑ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምትግባር ኣብ ዝጅምር ሳልሳይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ንዘመናዊ ኣጠቓቕማ ማይ ጠመተ ብምሃብ እቲ ዘድሊ ዓቕሚ ብሙሉእ ንምልማዕ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ብዛይድ ተስፋይ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment