መበል 1 ሽሕን 444 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ እዛ ሃገር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሽሕን 444 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።
እቲ ብዓል ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ብዝተለመደ ብባህሊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥  እቲ በዓል እንትኽበር ብዛዕባ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነትን እናሓሰብና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

<span;>ብሓባርን ሓድነትን ምዃን ትፅቢት ዝግበረሉ ንፀሎት ጥራሕ ኣይኮነን ብምባል፥ ከም ሃገር ዝገጥመና ፈተናታት ብዓወት ንምሽጋር ብሓባር ደው ምባል የድሊ ኢሎም።

<span;>ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሕና ኢትዮጵያዊያን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓድነትና ኣፅኒዕና ደው እንብለሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

<span;>ምክንያቱ ድማ ናብ ብራኸ እንወፅእ ብምጉታት ዘይኮነስ ብምድግጋፍ፣ ብተረኽ ዘይኮነስ ብዝሰኸነ መልክዑ ብምክብባር ክኸውን ኣለዎ ምባሎም ይዝከር።

<span;><span;>እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
<span;>ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
<span;>ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
<span;>ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
<span;>ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
<span;>https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
<span;>ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
<span;>https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment