50 ሚኢታዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብሰብ ሃፍቲ ቻይና ምልምዑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተጀመሩ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት 50 ሚኢታዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብሰብ ሃፍቲ ቻይና ምልምዑ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ቤት ምኽሪ ንግዲ ቻይናን ኤምባሲ ቻይናን ብምዃን ሰብ ሃፍቲ ቻይና ምትብባዕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተ ገይሩ።

እቲ ዘተ፥ ንሰብ ሃፍቲ ቻይና ምቹእ ከባቢ ኢንቨስትመንት ንምፍጣርን ተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩን ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ሓፈሻዊ ቀጥታ ኢንቨስትመንታት ወፃኢ ፈላማይ ስፍራ ከምዝሓዘት ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሺሕን 300 ፕሮጀክትታት ተልምዕ ከምዘላ እወን ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment