50 ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውፃእ ሓገዝ ኢትዮጵያ ሓቲተን – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)50 ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውፃእ ኣብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንኽትገብር ብዕሊ ከምዝሓተታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ቅልውላው ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታተን ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ፤  ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ንኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ማብራሪያቸውም÷ 50 ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውፃእ ኣብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንኽትገብር ብዕሊ ከምዝሓተታ ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር ብኣየርን ብምድሪን ዜጋታት ንምውፃእ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም÷ ኣብ ሱዳን ብክልቲኡ ወገን ናብ ሰላማዊ ኣማራፂ ንኽመፅኡ ብምሕባር፤ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ናይ ወፃኢ ሃገራት ዜጋታት ኣብ ምውፃእ ኢትዮጵያ እናተፃወተቶ ትርከብ ግደ ብምንኣድ ምስጋና ኣቕሪቦመም፡፡

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment