ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) “ተኣምራዊ ተኽሊ” ብዝብል ዝፍለጥ ሞሪንጋ ብቅልጡፍ ዝዓብይን ድርቂ ዝፃወርን ተኽሊ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ተኽሊ ድማ ከም መድሓኒት እናገልገሉ ይርከቡ።
መበቆል ሞሪንጋ ኣብ ደቡብ ኤስያን ኣፍሪቃን እዩ፤ ምህርቲ እዚ ሳይንሳዊ መፀውዒኡ ሞሪንጋ ኦሌይፈራ ዝበሃል ተኽሊ ኣብ ዓመት ሸውዓተ ግዜ ምእካብ ከምዝከኣል ይንገር።
እዚ ተኽሊ ቆፅሉ፥ ቆርበቱ፣ ሱሩ፣ ዕምባባታቱ መግቢ ዘጓዕዝ ፈሳሲኡን ከይተረፈ ዳርጋ ኵሉ ክፋላቱ ክብላዕ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣገዳሲ ምንጪ መግቢ እዩ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ እቲ ዝነቐጸ ቆጽሊ፡ ከም መመላእታ መግቢ ወይ ብመልክዕ ሓርጭ ተዳልዩ ይሽየጥ።
ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ ኣብ 2013 ብኢንተርናሽናል ጆርናል ኦፍ ፋይቶቴራፒ ሪሰርች ዝተሓትመ መፅናዕቲ እቲ ዝነቐፀ ቆፅሊ ሞሪንጋ ካብ ኣራንሺ 7 ዕፅፊ ቫይታሚን ሲ፣ ካብ ርግኦ 9 ዕፅፊ ፕሮቲን ፣ ካብ ካሮት ብ10 ዕፅፊ ዝያዳ ቫይታሚን ኤ፣ ካብ ባናና 15 ዕፅፊ ፖታሽየም ዝሓዘ ከምዝዀነ የመልክት። ካብ ፀባ እውን ብ17 ዕፅፊ ዝበዝሕ ካልሲየም፣ ካብ ሓምሊ ድማ ብ25 ዕፅፊ ዝበዝሐ ሓፂን ከምዘለዎ ይግመት።
5 ብሉፃት ጥዕናዊ ረብሓታት ሞሪንጋ
ብዛዕባ ረብሓታት ሞሪንጋ ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣብ እንስሳታትን ኣብ ቤተ ፈተነን ተኻይዶም እዮም።
ዳርጋ መብዛሕትኦም መጽናዕትታት፡ እዚ ‘ተኣምራዊ ተኽሊ’ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንጥዕና ደቂ ሰባት ከምዝጸልው የመልክቱ።
ካብቶም ብርክት ዝበሉ ረብሓታቱ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
- ሃብታም ምንጪ መከላኸሊ ኣንቲኦክሲዳንት’ዩ
ኣንቲኦክሲዳንት፡ ንዋህዮታት ካብቶም መንሽሮ፡ ሕማም ልቢ፡ ወቕዒን ካልእ ሕማማት እርጋንን ዘስዕቡ ነገራት ዝከላኸል ንጥረ ነገር እዩ።
ሞሪንጋ፡ መኣዛታትን ፋይቶኬሚካላት ዝርከብዎም ውህደታት ኣንቲኦክሲዳንት ዝሓዘ እዩ።
እዞም ኣንቲኦክሲዳንት፡ ኣካላትና ንከም ጸረ-ባልዕን ትኪ ሽጋራን ዝኣመሰሉ መርዛም ነገራት ምስ ዝቃላዕ ዘፍርዮም ገለ ሞለኪዩላት ኣብ ዋህዮታት ጉድኣት ከየስዕቡ ይሕግዙ።
ሞሪንጋ ብፍላይ ድማ ቆጽሉ ብብዙሓት ጠቐምቲ ውህደታት ዝሃብተመ ስለ ዝዀነ፡ ኣንቲኦክሲዳንት መከላኸሊ ይህብ፤ እዚ ድማ ከም ቫይታሚን ሲን ቤታ-ካሮቲንን ከምኡ’ውን ፖሊፊኖላት ከም ኲርሰቲን፡ ሩቲንን ክሎሮጀኒክ ኣሲድን ዘጠቓልል እዩ።
ብተወሳኺ ቆጽሊ ሞሪንጋ መጠን ኮለስትሮል ንምንካይ ከምዝሕግዝ እውን ጸብጻባት ይሕበሩ።
- ሽኮር ደም ንምቁጽጻር ይሕግዝ
ሞሪንጋ ንሽኮር ደም ንምቁጽጻር ከምዝሕግዝ ዝገልጹ መብዛሕትኦም መርትዖታት ኣብ መጽናዕቲ እንስሳታት ዝተመርኰሱ እዮም።
ብመሰረት እዞም መጽናዕትታት፡ ኣብ ቆጽሊ ሞሪንጋ ዝርከቡ ውህደታት፡ ዋህዮታት ጣፍያ ከነቓቕሑ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ። እዞም ዋህዮታት ንፍሰት ሽኮር ደም ዘመጣጥን ኢንሱሊን ዝተበሃለ ሆርሞን ዘፍርዩ እዮም።
እቲ ቆጽሊ፡ ናብ ጽንፈ-ጽግያት ኣብ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ።
መጽናዕቲታት፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ መዓልታዊ ሓደን ፍርቅን ማንካ ሻሂ ሓርጭ ቆጽሊ ሞሪንጋ ምውሳድ፡ መጠን ሽኮር ደም ብማእከላይ ገምጋም ብ13.5 ሚእታዊት ከምዝንክይ ይሕብሩ።
እዚ ማለት ድማ ሞሪንጋ ንገለ ካብቲ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ስነ-ኣካላዊ ለውጢ ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
- ጸረ-ነድሪ ረብሓ
ነድሪ ኣብ ምምዕባል ብዙሓት ሕዱር ሕማማት ዓቢ ተራ ኣለዎ። ንኣብነት ጠንቂ ምዕባለ ክራሸ ወይ ልዕሊ ዓቐን ክብደት፡ ሕማም ሽኮር፡ ከምኡ’ውን ቅርጥማት ወይ ሪሕን ክኸውን ይኽእል።
ሱር፡ ፍረታትን ቆጽልን ሞሪንጋ ነዚ መስርሕ ነድሪ ዝዓግቱ ንጥረ ነገራት ኣለዎም።
ኣብ እንስሳታትን ኣብ ቤተ ፈተነን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት፡ ሞሪንጋ ውጽኢት ከምዘለዎ የመልክቱ።
ይኹን’ምበር ኣብ ደቂ ሰባት’ውን እዚ ውጽኢት ዘረጋግጹ መጽናዕትታት ብተዛማዲ ውሑዳት እዮም።
- ምክልኻል ፀላም ከብዲ
ጸላም ከብዲ ጥዕናና ኣብ ምሕላውን ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ካብ ኣመጋግባና ዝመጹ መኣዛታት ልዑል ተራ ኣላዋ።
ሞሪንጋ ድማ ልዑል መጠን ፖሊፊኖል ዝበሃሉ መከላኸሊ ውህደታት ኣለዎ።
ኣብ እንስሳታት ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከምዘመልክትዎ፡ እዞም ውሕደታት ንጸላም ከብዲ ንምክልኻልን ንዝተበላሸወ ኣካል ንምሕዋይን ይሕግዙ እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰብ ዝተገብሩ ፈተነታት፡ ሞሪንጋ ከም ጸረ-መንሽሮ መድሃኒት ኣብ ሕክምና መንሽሮ ጸላም ከብዲ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ይሕብሩ።
- ተገንዝቦኣዊ ዕማም ይድግፍ
እቲ ሃብታም ኣንቲኦክሲዳንት ትሕዝቶ ሞሪንጋ፡ ተገንዝቦኣዊ ዕማም ክድግፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ተገንዝቦኣዊ ዓቕሚ ሰባት ከይንክይ ይሕግዝ፤ ከም ሕማም ረሲዕ ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምምካት’ውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።
ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ተኽሊ ንሚዛን ስሚዒት፡ ዝኽርን ኒውሮትራንስሚተርን ኣብ ምድጋፍን ከምኡ’ውን ቅዛነት ኣብ ምምካትን ሓጋዚ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ እንስሳታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ብሓፈሻ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኩሉ’ዚ መዳያት ሞሪንጋ ዝተገብሩ መጽናዕቲ ተስፋ ዘመልክቱ እዮም። እንተዀነ ግን ብዛዕባ’ዚ ተኽሊን ብዛዕባ ዝንገሩ ብዙሓት ረብሓታቱን ገና ክንፈልጦም ዘድልዩ ነገራት ኣለዉ።