5 ሚኢታዊ ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ንዜጋታት ኢትዮጵያ ብኣክሲዮን ከምዝሽየጥ ተገለፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ዘፈር ቴሌኮሙኒኬሽን ኣድሂቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ልዝብ ተኻይዱ።

ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ላብ ውልቀ ንምዝውዋርን ተወሰኽቲ ኮርፖሬሽናት ቴሌኮም ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምእታው ዝተወሰነ ከይዲ ውሳነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

ኣብቲ ዘተ ከምዝተገለፀ ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ውልቀ እንትዘዋወር 40 ሚኢታዊ ብፅሒት ንዓለም ለኸ ኩባኒያታት ክመሓላለፍ ኢዩ።

ሓሙሽተ ሚኢታዊ ብፅሒት ድማ ንኢትዮጵያውያን ዜጋታት ብኣክሲዮን ከምዝሽየጥ ተገለፁ።

እቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ብፅሒት ብውሑዳት ውልቀ ሰባት ዝተሓዝ ዘይኮነስ ኩሉ ዜጋ ከም ዓቕሙ ዝሳተፈሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ዝተረፈ 55 ሚኢታዊ ብፅሒት ድማ መንግስቲ ሒዙዎ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምዝማን ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ካብ ምምሕልላፍ ብተወሳኺ ንኽልተ ሓደሽቲ ኦፕሬተራት ፍቓድ ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ክልቲኦም ሓደሽቲ ኦፕሬተራት ብዓለም ለኸ ደረጃ ልዑል ስምን ልምዲን ዘለዎም ከምኡ እውን ተክኖሎጂታታት ዘሰጋግሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፈቓድ ምሃብ ይኹን ብኽፋል ናይ ምዝውዋር ስራሕ ካብ ስርቂ ብዝረሓቐ፣ ሞያዊ ከይዲ ዝተኸተለን ረብሓ ሃገር ብዘምፅእን መልክዑ ከምዝትግበር ገሊፆም።

ከይዲ ሊብራላይዝዜሽን እቲ ዓውዲ፥ ድፍኢት ፖሊሲ ዘይብሉን ኣብ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ዝቐረቡ መምርሒታትን ኣንፈታትን ተመርኲዙ ዝሃየድ ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment