5ይ ጉባኤ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓምሻይ ጉባኤን ምርኢትን ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ፥ ልዕሊ 100 ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ኣቪዬሽን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብመሰረት እዚ መራሕቲ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ፣ ሰብ ስልጣናት ሲቪል ኢቪዬሽን፣ ኣብ ንግዲ ኣቪዬሽን ዝተዋፈሩ ኣካላትን ሓገዝቲ ኢንዱስትሪታትን ተረኺቦም።

ኣፍቲ ጉባኤ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ዘፈር ኣቪዬሽን ብኸመይ ክቕፅል ይኽእልን እቲ ኢንዱስትሪ ብዓለም ለኻዊን ከባቢያዊን ዕላምኡ ብኸመይ የዕውትን ብዝብል ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ፥ “ንኢንዱስትሪ ኣቪዬሽንነ ኣፍሪካ ምዕሩይ ኩነታት ምፍጣር” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝካየድ ዝረኸብዮ ሓበሬታ የረድእ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር እቲ ንሃምሻይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ከምዘዳለዉዎ እውን ተገሊፁ።

ኣቪዬሽን ኣፍሪካ፥ መበገሲኡ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝገበረ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ዓማዊሉን ሰራሕተኛታትቱን ጥቕዓት ከይበፅሖም ብቕርበት እናተኸታተለ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment