5ይ ጉባኤ ሰገናትን መናእሰይን ጥዕና መናእሰይን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)5ይ ጉባኤ ሰገናትን መናእሰይን ጥዕና መናእሰይን ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ “ተበፃሕነትን ፅሬትን፡ ምላሽ ዝህብ ስርዓት ጥዕና ንኹሎም ንሰገናትን መናእሰይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፣ ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ ተበፃሒ፣ ፅሬቱ ዝሓለወን ምላሽ ዝህብን ስርዓት ጥዕና ብዘላቕነት ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ንሃገሩ ዝሰርሕ፣ ብቁዕን ብስነ ምግባር ዝተሃነፀን መንእሰይን ሰገንን ንምፍራይ መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ሓቲተን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment