5ይ ትውልዲ ሞባይል ኔትወርክ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳርን ከባቢኣን ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብዝለዓለ ቅልጣፈ ኣገልግሎት ምጥቃም ዘኽእል 5ይ ትውልዲ (5ጂ) ሞባይል ኔትወርክ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሪጅን ከተማ ባህር ዳር ኣጀሚሩ።

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬ ህይወት ታምሩን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ምዕባለ ሃገር ኣብ ምቅልፍ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

ብደሳለኝ ቢራራ

Comments (0)
Add Comment