ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣርጀንቲና ከተማ ቦነስ ኣይረስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ሲ40 ከንቲባታት ዓለም መድረኽ ከንቲባታት ሃገራት ኣፍሪካ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ፎረም እናተሳተፋ ዝርከባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ተሳቲፈን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ዘሕድር ንብረት ኣየር ክህሉ ዝገብሩ መንግስታዊ ተበግሶታትን ሰናይ ተሞክሮታትን ትኹረት ዝገበረ ዘተ ተገይሩ።

ካብ ኣክራ ፣ ኬፕታውን፣ ዳካር፣ ዳሬሰላምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኣፍሪካን ዝመፅኡ ከንቲባታት ኣብቲ መድረኽ ክዝተሳተፉ ተፈሊጡ፡፡

ከንቲባ አዳነች ኣቤቤ ንከንቲባታት እተን ሃገራት ተሞክሮ ኢትዮጵያን ከምዘካፈለኦም ተገሊፁ፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ፃንሒተን ምስ ከንቲባ ለንደን ሳዲቅ ካህንን ዳይሬክተር ሲ40 ኣብ ኣፍሪካ ምስ ዝኾኑ ሃስቲንግ ቺኮኮን ምዝታየን ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment