ኣዴታትናን ኣሓትናን ደጀን ብምዃን ዘይደገፈኦ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዓወት የለን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ 29 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ናይ እንኳን ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቢክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “በዓል ደቂ ኣንስትዮ እነኽብሮ ናይ ኩልና በዓል ስለ ዝኾነ ኢዩ” ኢሎም።
“ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ንኽንበፅሕ ኣዴታትና ብዝኸፈለኦ ክቡር ዋጋ ብምዃኑ፥ እቲ በዓል ነዓና ፍሉይ በዓል ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብናፅነት ፀኒዓ ንኽትቅፅል ኣዴታትናን ኣሓትናን ብኣርባዕተ ዓውዲታት ዋጋ ከፊለን ኢየን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያውያን ኣዴታት ጀጋኒ ፈጢረን፣ ነቶም ጀጋኑ ዝኸውን ስንቂ ኣዳሊየን፣ ንጀጋኑ ተንከባኺበን፣ ከምኡ እውን ባዕለን ብጅግንነት ተዋጊአን ዓወት ከሓፍሳ ክኢለን ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ጅግንነት ዝሰርሓ ዋዕሮታት ኣዴታትናን ኣሓትናን፥ ኣብ ምቅላስ ድኽነት፣ ድሕረት፣ ጎንፂን ኣፈላላይን ዕዙዝ ግደ ከምዝፃወታ ዘለዎም እምነት እውን ገሊፆም።

“በዓል ደቂ ኣንስትዮ እንትነኽብር፥ ኢትዮጵያ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታ ተኸቢሩ፣ ሉኣላዊነታ ተሓልዩ፣ ብኽብሪን ብናፅነትን ንኽትነብር፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትናን ኣሓትናን ከምብሓዱሽ ዝለዓላሉ መዓልቲ ከምዝኸውን ብምትእምማን ኢዩ” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment