44 ሚሊየን ኣፍሪካውያን ብቫይረስ ኮረና ክጥቅዑ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክሳብ 44 ሚሊየን ዘኣኽሉ ኣፍሪካውያን ብቫይረስ ኮረና ክጥቅዑ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ቢሮ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍካ ሎሚ መዓሊቲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ብዘቃለሖ ሓበሬታ፥ ካብ 29 ክሳብ 44 ሚሊየን ኣፍሪካውያን ብቫይረስ ኮረና ክጥቅዑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

እቲ ውድብ፥ ቫይረስ ኮሮና ብመንፅር ኩነታት ከባቢ ኣየር፣ ኩነታት መነባብሮን በዝሒ ህዝቢን ኣፍሪካ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንምርዳእ ኣብ 47 ሃገራት እታ ኣህጉር ዘካየዶ ሓዱሽ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እውን ኣፍሪካውያን ምዝንገዖም እንድሕር ቀፂሎም ክሳብ 44 ሚሊየን ዜጋታት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከምዝኽእሉን 190 ሺሕ ዘኣኽሉ ዜጋታት ድማ ህይወቶም ክሓልፍ ከምዝኽእልን ኣገንዚቡ።

ካብ ውሽጢ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ልዕሊ 5 ሚሊየን ዜጋታት ሕክምና ሆስፒታል ዘድልዮም እንትኾኑ፥ 107 ሺሕ ዘኣኽሉ ድማ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዘድልዮም ኢዮም ተባሂሉ።

ኣፍሪካውያን ቫይረስ ኮሮና ንፀለምቲ ኣየጥቅዕን፣ ከባቢ ኣየር ኣፍሪ ነቲ ቫይረስ ኣይስማዕመዖን ዝብሉን ካልኦትን ዘዘናግዑ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ንኽቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቫይረስ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪካ ዘጥቅዕ ይኹን እምበር፥ ብፍላይ ግን ኣብ ኣልጀሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ካሜሩንን ዝኸፍአ ጉድኣት ከብፅሕ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ኣፍሪካ፥ ክሳብ ሕዚ 55 ሺሕን 364 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 2 ሺሕን 83 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ 191 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ እውን ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ትማሊ ኣጋምሸት ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ ወርልዶ ኦሜትርን ውድብ ጥዕና ዓለምን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment