ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንምጥንኻር 42 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ቴክኖሎጂ ንሕብረት ስራሕ ማሕበራት ክልል ትግራይ ተበርኪቶም።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ካብ ዝዓነዉን ንድሕሪት ዝተመለሱን ኣሰራርሓታት ሓደ ዝኾነ ስርዓት ዲጂታል ኮፖን ናብ ምሉእ ትግበራ ንክኣቱ ኣብ ግምት ብምእታው ኢንስቲትዩት ሕርሻ ስግግር ኢትዮጵያ ዝገበሮ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
42 ሚልይን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ቴክኖሎጂ ከምዝኾኑ እውን ላዕለዋይ ዳይሬክተር ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ትግራይ ዶክተር ኣብርሃ ኪዳነ ማርያም ገሊፆም።
እቲ ዝተገበረ ሓገዝ÷ ሓረስታይ ኣብ ጣብያኡ ዘመናዊ ድዅዒን ካልኦት እታወታትን ክረክብን ማሕበራት ዕቋርን ልቓሕን ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ክሰጋገራን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም ኣብሪሆም።
ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ማሕበራት ስራሕ ሕብረት ትግራይ ንምጥንኻር ልዕሊ 71 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከም ዝገበረ እቶም ዶክተር ተዛሪቦም።