400 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳባሪያ) ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ተገለፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 400 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳባሪያ ሓመድ) ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ኣገልግሎት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ከምዝሓሮ÷ መዳበርያ ሓመድ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት እናተሳለጠ ይርከብ፡፡

ትማሊ ድማ 50 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዩሪያ መዳበሪያ ዝፀዓነት ሻድሸይቲ መርከብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐት ተገሊፁ፡፡

ኣብ ጅቡቲ ካብ ዝበፅሐ ሓፈሻዊ መዳበርያ ሓመድ እቲ 200 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ዝተፈላለያ ክፋላት ኢትዮጵያ ከምዝተኸፋፈለ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment