400 ሜትሮ ዝንውሓታ መትረብ ስዊዝ ን1 ሰሙን ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ምንቅስቓስ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መትረብ ስዊዝ ንሓደ ሰሙን ዓፂያ ዝነበረት ዘ ኤቨር ጊቨን ዝተብሃለት ዓባይ መርከብ ምንቅስቓስ ምጅማራ ተሓቢሩ።

400 ሜትሮ ዝንውሓታ ከምዘለዋ ዝተገለፀት ፀዓኒት ኣቑሑት ዓባይ መርከበብ፥ ካብ ዝነበረትሉ ኩነታት 80 ሚኢታዊ ተመዓራሪያ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረት ሰብ መዚ መትረብ ስዊዝ ኣፍሊጦም።

እታ መርከብ ሙሉእ ብሙሉእ ንምንቅስቓስ ሎሚ መዓልቲ ተወሰኽጺ ስራሕቲ ከምዝስርሑ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ልዑል ልውውጥ ንግዲ ዝካየደሉ መትረብ ስዊዝ ብምኽንያት መርከብ ኤቨር ጊቭን ካብ ዝዕፆ ሓደ ሰሙን ኮይኑዎ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ በቢመዓልቱ 9 ቢሊየን ዶላር ዕድጊት ሸቐጣት ምትእጉጓ እናተፈጠረ ምፅንሑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

በቲ መተሓላለፊ መትረብ ሕድሕድ መዓልቲ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ሸቐጣት ናብ ምዕራብ ዓለም ተንቀሳቕስ እንትትከውን፥ ናብ ምብራቕ ድማ 4 ነጥቢ 5 ዶላር ዝግመት ሃፍቲ ከምዝንቀሳቐሰሉ ተገሊፁ።

ዘ ኤቨር ጊቭን ዝተብሃለት መርከብ ናይ ኣርባዕተ ሜዳ መፃወቲ ኩዕሾ እግሪ ንውሓት ከምዘለዋን ኣብ ዓለም ኣለዋ ካብ ዝበሃላ ዓበይቲ ኮንቴነራት ካብ ዝፅዕና መራኽብ ሓንቲ ከምዝኾነትን ይዝረብ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment