40 ኤፍ1 ቦምባን 15 ክላሽንኮቭን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ንኡስ ወረዳ ማጠቢያ ቀበሌ ጉባይ ንተግባ ግብረ ራዕዲ ክውዕሉ ዝነበሩ 40 ኤፍ1 ቦምባን 15 ክላሽንኮቭን ምሓዙ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ታክቲክ ወረዳ መተማ ኃላፊ ረዳት ኢንስፔክተር ቸኮል ወርቄ ከምዝገለፁዎ÷ ኮሚቴ ቅማንት ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከውዕሉዎ ዝነበረ 40 ኤፍ 1 ቦምባ ምስ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

እቲ ቦምባ ብጥቆማ ህዝቢን ክትትል ሓይሊ ፀፅታን ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብኻሊእ መዳይ መበገሲኡ ክልል ጋምቤላ ዝገበረት ኮድ 3 ኣዲስ ኣበባ 50799 ኣይሱዙ ተሸከርካሪት 15 ክላሽንኮቭ መሳርሒታት ብሕቡእ ተፃዒኑ ናብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም መርጦ ለማርያም እንትጓዓዝ ብኣካላት ፀፅታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተትሓዘ ቅርበት ዘለዎም ፍልፍላት ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment