40 ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)40 ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ብደለልቲ ተታሊሎም ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ንምስጋር ምስ ወፅኡ እቶም ደለልቲ ኣብ ጎደና ገዲፎምዎም ዝኸዱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት መፅለሊ ብምስኣኖም ኣብ ኮሚዩኒቲ ከምዝፀንሑን መዕለቢ ንምእላሽ ብዘይ ሰነድ ጉዕዞ ናብ ሱዳን ኣቲዮም ናብ ፀገም ኣቲዮም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ዝጋታት እቶም 40 ዜጋታት ኣብ ካርቱም ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ብንትሕብባር ሓገዝ ተገይሩሎም ሎሚ መዓልቲ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment