ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃሀገር 4 ሺሕ ላዕለዎት ተሸወምቲ ከምኡ እውን 215 ሺሕ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሃፍቶም ከምዘመዝገቡ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ኣፍሊጡ።
ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝገባን ምፍላጥን ሃፍቲ÷ ደረጃ ግልፀነትን ተሓታትነትን ተመዝገብቲ ብምዕባይ ኣብ ምቅላስ ፀረ-ግዕዝይና ዘምፀኦ ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ከይዲ ምዝገባ ሃፍቲ ላዕለዎት ተሸወምቲ መንግስቲ፣ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ከምኡ እውን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዲጂታል ኣሰራርሓ እናተሳለጠ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡
እዚ ድማ እቲ ከይዲ ምዝገባ ሃፍቲ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ከምዝገበረ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2015 ካብ ፌዴራልን ክልላትን 4 ሺሕን 114 ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ተሸወምቲን፣ 215 ሺሕን 735 ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ሃፍቶም ከምዘመዝገቡ ገሊፆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com