4 ሚሊዮን ዝኾኑ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ የድልዮም – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ 4 ሚሊዮን ዝፅግዑ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ኣብ ውድብ ሕራት መንግስታት መተሓዳደሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገነ ዝርከብ እዋናዊ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ሓበራዊ መግለፂ ኣውፂኦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር መፍረያይነት ሕርሻ ኣብ ምድንፋዕን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ብተደጋጋሚ እናጋጠመ ዝርከብ ድርቂ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምክልኻል ሓገዝን ምትሕብባርን መሓዙት ኣካላት ከምዝሓትት ተመልኪቱ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣንሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ናብ 4 ሚሊዮን ዝፅግዑ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኣፍሊጡ።

እቲ ድርቂ ስዒቡ ካብ ዘጋጠመ ሕፅረት ምግቢ ሓሊፉ ኣብዞም ከባታት ከም ዓሶ፣ ንፍዮን ኮሌራን ዝበሉ ሕማማት ምግጣም ሓዊሱ ኣብ ከፍታውቲ እውን ጉድኣት እናበፅሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዘሎ ሱር ዝሰደደ ውስንነት ሃፍቲ ከምዘሎ ኮይኑ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም ከባቢታት ንምብፃሕ ዘጋጥም ፀገም ፀፅታ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምክፍፋል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘዕረፈ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኮይኑ ግን መንግስቲን ትካላት ሓገዝን ኣብ መብዛሕትኡ ብድርቂ ዝተጎድኡ ከባታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከብፅሑ ከምዝኸኣሉ ምፍላጡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment