4ይ ዓመት መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን ተዘኪሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ 4ይ ዓመት ብላዕለዋይ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ተዘኪሩ ውዒሉ።

“ከይድገም ኩሉ ግዘ ክንዝክሮ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተዘከረ ስነ-ስርዓት እዚ ሰሜን ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ፍልጠቱ፣ ገንዘቡ፣ ጉልበቱን ህይወቱን እንተይሰሰዐ ከምዝሃበ ተላዒሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ዋና ዳይሬክቶሬት ህንፀት ስነ-ልቦና ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን፤ ንህዝቢን ሃገር ዋጋ እናኸፈለ ኣብ ዝነበረ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብፍፁም ዘይግባእ ተግባር ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ እቲ እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ዕለት ዝዝከር ወለዶ ክመሃረሉን ከይድገምን ንምዝካር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝግን ሰራትና ብኩሎም ፈተናታት እናፀንዐ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢን ሃገርን ናይ ምርግጋፅ ተግባሩ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዕለት ነቲ እዋን ዝዝክር ዘጋቢ ፊልሚ ንምርኢት ዝቐረበ እንትኸውን፤ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሻማ እውን ተሳሊጡ።

Comments (0)
Add Comment