4ይ ውድድር ድምፃውያን ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ፋና ላምሮት ፅባሕ እውን ኣብ 2ይ ሰሙን ውድድሩ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓፈ ቀዳም ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ዝጀመረ 4ይ ውድድር ድምፃውያን ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ፋና ላምሮት ፅባሕ እውን ኣብ 2ይ ሰሙን ውድድሩ ክቕፅል ኢዩ።

ኣብ ዕለታዊ ኣቀራርባ ተወዳደርቲ ትኹረት ዝገበረ 4ይ ናይ ተዓወትቲ ተዓዋታይ ውድድር ፋና ላምሮት ተዓወትቲ ምዕራፍ 13፣ ምዕራፍ 14ን ምዕራፍ 15 ኣብ ሓደ ዘራኽበ ኢዩ።

ኣብ ናይ ፅባሕ ካልኣይ ሰሙን ውድድር 8 ተወዳደርቲ ምድብ ክልተ ምስ ኮከብ ባንድ ብክልተ ዙራት ስረሖም ከቕርቡ ኢዮም።

እቲ ውድድር በቀጥታ ፈነወ ተመልከትቲ ካብ ሰዓት 6:00 ጀሚሩ ብፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃት፣ ፋና ቴሌቪዥንን ኤፍም ኤም 98 ነጥቢ 1ን ብቀጥታ ፈነወ ንኽከታተሉ ተዓዲሞም፡፡

ተመልትቲ እውን ኣብቲ ዕለት ዝግለፅ ኮድ ተወዳደርቲ ብምጥቃም ብ8222 sms መልእኽቲ ብምልኣኽ ከምዝተለመደ ብንቕሓት ክሳተፉ ኢዮም።

ብለምለም ዮሃንስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment