4ይ ምርኢት ንግዲ ቻይና ኣብ ዕዳጋ ቡን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዕድል ሒዙ መፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ራብዓይ ዙር ምርኢት ንግዲ ወፃኢ ቻይና ኣብ ዕደዳጋ ቡን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅ ተሓቢሩ።

መካየዲ ስራሕ ዝዓበየ ኣፍራዪን ለኣኺን ቡን ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተ እስራኤል ደገፋ ምስ ሺንዋ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ትካሎም ኣብቲ ምርኢት ብምስታፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ በዓል ፍሉይ ጣዕሚን ፅሬትን ቡን ከምዘፋልጥ ገሊፆም።

ኣብ ቻይናዊት ግዝኣት ሻንጋይ ዝካየድ ምርኢት ንግዲ ወፃኢ ቻይና፥ እናዓበየ ዝመፅአ ዕድጊት ቡን ኢትዮ-ቻይና ዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፍርያት ቡን ልዑል ዕድጊት ካብ ሞንጎ ዝገብራ 10 ሃገራት ቻይና ከምትርከቦም ሓበሬታታት ይሕብሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment