ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 380 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ኣባል ፈፀጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር እቶትን ኣይናኣለም ንጉሴ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝነበረ ኣፈፃፅማ እቶት ዝጠመተ ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ብብርኪ ሃገር ዝተትሓዙ ትልሚታት ልምዓት ተግባራዊ ንምግባር ቀንዲ ዓቕሚ ተገይሩ ዝውሰድ ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምምሕያሽን ክብ ምባልን ኢዩ ኢለን።
እዚ ድማ ድልየት ልምዓት ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ዝምልሱ መሰረተ ልምዓታት ምህናፅ ከምዘኽእል ገሊፀን።
ብመሰረት እዚ ኣብ ከይዲ ኣተኣኻኽባ እቶት ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዓቕሚ እቶት ምምሕያሽ ዘኽእሉ መሰረታዊ ለውጢታት ምክያዶም ተዛሪበን።
ንኣብነት ማዕቐፋት ፖሊስን ሕጊን ምምሕያሽን ኣገልግሎት ኣወሃህብኡ ምስላጥን ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ቴክኖሎጂ ምዝርጋሕ ምኽኣሉ ሓቢረን።