38 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ቺሊ ጠፊኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ከም ዝጠፈአት ሓይሊ ኣየር ቺለ ገሊፁ።

እታ ሲ-130 ዝዓይነታ ነፋሪት፥ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆፃፅራ ቺለ ሰዓት 4 : 55 ናይ ምሸት ኢያ ተበጊሳ።

ሰዓት 6 : 00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ማእኸል ምቁፅፃር በረራ ዝነበራ ርክባት ከም ዘቋረፀት እውን እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 38 ሰባት እቶም 17 ኣባላት ክፍሊ በረራ እንትኾኑ፥ 21 ተሳፈርትን ኢዮም።

ሎጂስቲካዊ ቀረባት ንምብፅፃሕ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ድማ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነታ ዝጠፈአት ነፋሪት ናይ ምድላይ መስርሕ ይካይድ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment