መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ወተሃደራዊ ኣታሼታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃበ መብርሂ ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብሓባር ብምዃን መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ወተሃደራዊ ኣታሼታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃበ መብርሂ ሂቦም።
ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ኢጋድን ኣምባሳደር ፍሰሃ ሻውል፥ መንግስቲ ኣብ እዛ ሃገር ሰላም ንክነግስ ብዙሓት ስጉምቲታት ከምዝወሰደ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ዝተወሱ ምዕራባውያን ሃገራት ሐዚ እውን ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምውጋን ሽም ኢትዮጵያ የጥፍኡ ኣለዉ ኢሎም።
እቲ ግብረ ራዕዲ ቅድመ ሐዚ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዘብፅሖ ዕንወት ብተወሳኺ ብሸነኽ ዓብዓላ ብዝኸፈቶ ወረራ
ብዙሓት ዜጋታት ንሞትን ምምዝባልን ከምዝተቓልዑ ገሊፆም።
ናብ ትግራይ ዝግበሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ንከይጎዓዓዙ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ በምግላፅ፥ መንግስቲ ንሰላም ካብ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ዝብገስ ብሄራዊ ምርድዳእ ንክፍጠር ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ንምስላጥ ይዳሎ ኣሎ ኢሎም።
እቲ ሃጋራዊ ዘተ እኳ ዝካየድ እንተኾነ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዘጥፍእዎ ጥፍኣት ተሓተትቲ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment