ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት 5፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ንክትዛዝም ግብፂ ክተተባብዕ ይግባኣ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፥ ተቐማጥነቱ ኣብ ዱባይ ምስ ዝኾነ ሚዲያ ኣል-ኣረቢያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ግድብ ህዳሰ ኣብ እዋን ድርቂ እኳ ከም ዕቋር ማይ ኮይኑ ስለዘገልግል ክትድግፎ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኣናእሽቱ ሓፅብታታ ክበፅሐኒ ኢዩ እትብሎ ናይ ድሕንነት ስግኣት ብዝምልከት ስሩዕ ዝኾነ ሓበሬታ ልውውጥ ንምግባር ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት ሓቢሮም።
ይኹን እንበር ሱዳን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ባዕላ ብሄራዊ ረብሓ ካብ ምሕላው ናይ ሳልሳይ ወገን ጉዳይ ኣፈፃሚት ትኸውን ከምዘላ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ኣባይ ሓደ ወገን ጥራሕ ተረባሒ እናኾነ ዝነብረሉ ዓለም ምፅባይ ስለዘይትኽእል ሱዳንን ግብፅን ካብ ገታር ቅዋመን ክወፅኣ ኣለወን ኢሎም።
ስለዝኾነ ግብፅን ሱዳንን ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ንገዛእ ርእሰን ረብሓ ክብላ ክድግፋ ኣለወን ኢሎም ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን።
እቲ ግድብ መርኣዪ ቀጠናዊ ሕብረት ኢዩ ብምባል፥ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ምንም ዓይነት ዝጎልሀ ጉድኣት እንተይኣብፀሐት ናይ ባዕላ ሃፍቲ ምጥቃም ከምእትኽል ምግላፆም ካን ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር
ጉዳያት ወፃአኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment