ዩኒሴፍ ኣብ ዋግ ኽምራ ብኲናት ንዝተጎድኡ ወገናትን ትካላትን 23 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒሴፍ ኣብ ዞባ ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ ወረራ ንዝተጎድኡ ወገናትን ትካላትን 23 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ናውቲ ኣበርኪቱ።

ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተር ኣይተ ስዩም መኮነን፥ብግብረ ራዕዲ ዘረፋን ዕንወትን ዝበፅሖም ትካላት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንምእታው ትካላት ግብረ ሰናይን ሰብ ሃፍቲን ዝገብርዎ ደገፍ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ዩኒሴፍ ንዝገበሮ ደገፍ ድማ አመስጊኖም።

ካልኦት ትካላት እውን ሰብኣዊ ደገፍ ንክገብሩ ሓቲቶም።

ዩኒሴፍ ካብ ዝገበሮ ደገፍ፥ ን3 ሆስፒታላትን 20 ጣቢያታት ጥዕናን ዘገልግሉ መድሓኒታት፣ ፍርናሽ፣ ጥራዛትን ቢሮን ተረቋሕቲ ኢዮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment