ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ፡-

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም መንግስቲ ፌዴራልን መስተኻኸሊ ኣሸፋፍና ወፃኢን እንትኸውን፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌ.ዲ.ሪ.ኢ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ኣብ ስራሕ ንኽዕል ብሓፈሻ ብር 561ነጥቢ 7 ቢሊዮን በጀት ምፅቑ ይዝከር፡፡ ኣብቲ እዋን ንምድላው እቲ በጀት ተሓሳቢ ዝተገበሩ ኩነታትት ማክሮ ኢኮኖሚ ተለዋዋጣይነት ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገር ብዝተፈጠረ ኲናት ምኽንያት ተወሳኺ ወጻኢ ብምድላዩን ብመንፅር ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ዝእከብ ኣታዊ ሕዚ ዘሎ ሕቶ ክፍሊት ንምትእንጋድ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምፍጣሩ ከምኡ እውን እዋኑ ዝፈጠሮ ተወሳኺ ድሌት ወፃኢ ብምሽግሻግ በጀት ንምትእንጋድ ስለዘይተኸኣለ ተወሳኺ ሕቶ በጀትን መስተኻኸሊ ኣሸፋፍና ወፃኢን ተግባራዊ ንኽኸውን ብሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣቢሉ ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብ ዝቐረበ ዛዕባ ብዕምቆት ምስተዛተየ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ወሲኑ፡፡
  2. እቲ ቤት ምኽሪ ቀፂሉ ዝተዛተየሉ ዛዕባ፥ ኣብ ውሳነ ሓሳብ መስተኻኸሊ መሸጢ ዋጋ ውፅኢት ነዳዲን ኣፈፃፅማ ዝተተለመ ድጎማን ኢዩ። ነዳዲ ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን እዛ ሃገር ቁልፊ ግደ ዝፃወትን ምስ ኩነታት ናብራ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰረ ፍልፍል ሓይሊ ብምዃኑ፥ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ኣብ ኢኮኖሚን ኣብ ሕብረተሰብን ርኡይ ፅዕንቶ ከይፈጥር ብመንግስቲ እናተወሰነን ቁፅፅር እናተገበረሉን እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ይኹን እበር እዋናዊ ኩነታት ማህሮ ኢኮኖሚ ሃገርን ዓቕሚ ናብራ ሕረተሰበን ኣብ ግምት ብምእታው መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ናይ ዓለም ለኸ ዋጋ ብዘንፀባርቕ መልክዑ እናተረኣየን በቢግዚኡ እናተኸለሰን ብ ዓደግቲ ንኽመሓላለፍ ብዘይምግባሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መረጋግኢ ዋጋ ፈንድ ልዑል ዝኾነ ዕዳ እናተኸዘነ ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ጎሊሆም ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕ ሪፎርም ዕድጊት ነዳዲ ብብርኪ ሃገር ትልሚ ተታሒዙ እናተሳለጠ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናሰፍሐ ዝመፅአ ብፖሊሲ ዘይተደገፈ ድጎማ ካብ ዝተመረፁ ተሸከርከርቲ ብኸይዲ ንምትግባር ዘኽእል ምስትኽኻል ዋጋ መፅናዕቲ ብምግባር ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት ንምትግባር ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ተሰናዲኡ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብ ዝቐረበ ዛዕባ ብዕምቆት ምስተዛተየ ብቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ምድላው ምዕራፍ ተፈፃሚ ንኽኸውን ወሲኑ።
  1. ቤት ምኽሪ ሚኒሰስትራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተዛተየ ኣብ ኣሰራርሓ ውሳነ ህንፀት ዋጋ ውፅኢት ነዳዲን ሕዳግ ትርፊን እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘሎ መመሓየሺ ዋጋ ነዳዲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብመሰረት ዝሃቦ ውሳኔ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ስራሕ ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብመንግስቲ ዝተውሃበ ኣንፈት ፖሊሲ ብዝተጠናኸረን ውፅኢታዊ ብዝኾነን ኣካይዳ ንምትግባር ነባር ኣሰራርሓ ዘለዎ ክፍተት ምፍታሽን ምስትኽኻልን ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ግልፂን ውፁእን ኣሰራርሓ ዘለዎ ስርዓት ምዝርጋሕ ስለዘድለየ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምምሕያሽ ውሳነ ሓሳብ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ኣብ ዝቐረበ ዛዕባ ብዕምቆት ምስተዛተየ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ዝፀደቐሉ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼቡኡ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ዛዕባታት እውን ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment