31 ኣምቡላንሳት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከባ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን ተኸፋፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ጥዕና ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ንዝርከባ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን 31 ኣምቡላንሳት ኣከፋፊሉ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶክተር ዮሃንስ ጫላ ከምዝገለፁዎ፥ እተን ኣምቡላንሳት ግልጋሎት ሃንደበታዊ ሓደጋ ሓዊሱ ግልጋሎት ሕክምና ህፃናትን ኣዴታትን ብዘበናዊ መገዲ ንመሃብ ዝሕግዛ ኢየን።

ካብ ውሽጢ እተን 31 ኣምቡላንሳት፥ 25 ንጣቢያታት ጥዕና፤ ሽዱሽተ ድማ ንሆስፒታላት ተኸፋፊለን።

ተወከልቲ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን ድማ ቁልፊ ናይተን ኣምቡላንሳት ተረኪቦም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment