3 ጳጉሜን መዓልቲ ኣምባሳደራት ኮይና ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢራ ውዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰለስተ ጳጉሜን መዓልቲ ኣምባሳደራት ኮይና “ኣነ እውን ንኸተማይ ኣምባሳደር ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢራ ውዒላ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባባሪ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ዣንጥራር ኣባይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ኢዩ ተሳሊ።

ኣብ ስራሕቲ ፅሬት መገዲ ንዝተዋፈሩን ወለንታታት መናእሰይን ህያብ ሓዱሽ ዓመት ብምብርካት ኢዩ እቲ መርሃ ግብሪ ተጀሚሩ።

ኣይተ ዣንጥራር እቲ ህያብ ምስ ኣበርከቱ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣዲስ ኣበባ ፅብቕቲን ሓምለወይቲን ንምግባር ዝተግሁ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ፅሬት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ወፍሪ ፅሬት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክፍለ ከተማታት ሓዊሱ ስሩዕ ሰራሕተኛታት ፅሬት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከባቢ ኣምባሳደር ብሄራዊ ትያትር ተሳሊጡ።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ስራሕቲ ፅሬት እታ ከተማ ከም ቀንዲ ተግባር መንግስቲ ተገይሩ ከምዝስራሕ እውን ምክትል ከንቲባ ገሊፆም።

“ወፍሪ ፅሬት ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ መዓልታዊ ተግባርና ክንገብሮ ይግባእ” ኢሎም ከምዘተሓሳሳሰቡ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment