3 ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓሰርተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 3 ቢሊየን ዶላር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርያስላሴ ገሊፀን።

ሃና ኣርያስላሴ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምችውቲ መብፅሒት ኢንቨስትመንት ንምግባር ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ምፅንሑ እውን ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ሓደሽቲ ሴክተራት፣ ኣታዊን ወፃኢም ንግዲ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ዕፁዋት ዝነበሩ ሴክተራት ንኢንቨስትመንት ክፍቲ ምግባር ድማ ካበ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ምምሕያሽ ከምዝርከቡዎም ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዘፋልጡ መረሃ-ግብሪታት ኣብ ምስላጥ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እቲ ኮሚሽን ኣብ 2016 በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምሕባር÷ “በዚ ድማ ኣብ 10 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት 3 ቢሊየን ዶላር ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ተኻኢሉ” ኢለን፡፡

ቻይና ፣ ኔዘርላንድ፣ ቱርኪን ህንዲን ኣብ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ቀንዲ ቀንዲ ሃገራት ከምዝኾናን ኩባንያታት ቻይና ድማ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዙ ገሊፀን፡፡

Comments (0)
Add Comment