3 ማእኸላት መውሃቢ ሕክምና ካንሰር ኣብ ውሽጢ  1 ዓመት ናብ ስሥራሕ ንኸኣትዉ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸላት መውሃቢ ሕክምና ካንሰር መቐለ፣ ጎንደርን ሃዋሳ  ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዘ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽጅምራ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣማኻሪ ምቁፅፃር ሕማም ካንሰር ዶክተር ኩኑዝ ዓብደላ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰለስተ ማእኸላት ሕክምና ካንሰር ይወሃብ ኣሎ።

ተወሰኽቲ ሰለስተ ማእከላት ድማ ኣብ ቀፃሊ ናብ ስራሕ ንምእታው ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ካብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ብተወሳኺ ማእኸላት ሕክምና ካንሰር ጅማን ሃረማያን ናብ ስራሕ ምእታወን ብዝተወሰነ መልክዑ ፅዕንቶ ክንኪ ከምዝኸኣለ እቶም ኣማኻሪ ኣብሪሆም።

ብዙፋን ካሳሁን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment