3ይ ዙር ዕፃ 8100 A ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል ኣታዊ ንምትእኽኻብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዙር ዕፃ ሓፂር መልእኽቲ 8100 A ሎሚ መዓልቲ ወፂኡ።

ኣብ ኣዳራሽ ብሄራዊ ሎተሪ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ምውፃእ ዕፃ፥ ተዓዋቲ ቁፅሪ ኤስ ኤም ኤስ 084492978 ኮይኑ ወፂኡ።

ተዓዋቲ ሽልማት ናይቲ ዕፃ፥ ብር 2 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዋጋ ዘለዋ ዘበናዊት ሃይሉክስ ፒክኣፕ መኪና ምዃና ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምትእኽኻብ እቶት ብሓፂር መልእኽቲ ስልኪ ቅድሚ ሓደ ዓመት ወርሒ ለካቲት ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ንተወሰኽቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment