3ይ ዙር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ መንግስቲ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል ርእሲ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ማእኸላት ምሃብ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ማእኸል ስልጠና ጅማ እናተኃየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስልጠና ካብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕ ዝኾኑ ኣመራርሓታት መንግስቲ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

እቲ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣብ ማእኸል ስልጠና ወላይታ ሶዶ እውን ምሃብ ተጀሚሩ።

ብተመሳሳይ ኣብቲ ስልጠና ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕ ዝኾኑ ኣመራርሓታት መንግስቲ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ማእኸል ስልጠና ዲላ፣ ኣምቦ፣ ሃረማያ፣ ወሎ፣ ሆሳእና፣ ወላይታ ሶዶ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ጅግጅጋን ካልኦት ከተማታትን ሎሚ መዓልቲ ስልጠና ተጀሚሩ፡፡

እቲ ስልጠና÷ ን12 መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment