3ይ ሃገር ለኸ መዓልቲ እግረኛታትን ብሽክሌተኛታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳልሳይ ሃገር ለኸ መዓልቲ እግረኛታትን ብሽክሌተኛታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ውዒሉ።
እቲ መዓልቲ “ካብ ጳጉሜን ከክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ ውዒሉ ዘሎ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኸበረሉ ቦታ ዝተረኸበ ሚኒስተር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ “ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝፀንሐ ረሳሕ ናይ ምውጋድ ልማድና ኣብ በቢከባቢና ብምትግባር መገዲታትናን ከተማታትናን ንእግረኛታትትን ብሽክሌተኛታትን ፅሩይ ምግባርን ንሓደጋ ትራፊክ ከይቃልዑ ምግባርን ይግባእ” ኢለን፡፡
ወይዘሮ ዳግማዊት ከምዝበለኦ፥ ኣብ ዝቕፅል እውን ዓመት ሙሉእ ወርሒ ምስ ኣተወ ኣብ ዘላ ፈላመይቲ ሰንበት ኣብ ዝሳለጥ መዓልቲ እግረኛታትን ብሽክሌተኛታትን ኣካል እቲ ወፍሪ ብምግባር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝፍጠሩ ሓደጋታት ትራፊክ ዘብፅሑዎ ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ናውቲን ብሓባር ምክልኻል ይግባእ።
ኣብቲ በዓል ብሓደጋ ትራፊክ ክቡር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ፀሎት ሕልና ብምግባር ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ጉዕዞ እግሪ ብምግባር፣ ብሄራዊ መዝሙር፣ መዝሙር ህፃናትን ብብዙሓት ብሽክሌተኛታት ዝተዓጀበ ምንቅስቓስ ብምግባር ተኸቢሩ።
ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ከተማታት ዝርከቡ ዜጋታት ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ብምግባሮም ምስጋና ምቕራበን ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment