ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተዳለወ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክቐርበሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተዳለወ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሎሚ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93/1 ናይ ወፃኢ ወራር እንተጋጥም ወይ እውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት እንትፍጠርን ብዝተለመደ ስርዓት ምኅባር ሕጊ ንምፅዋር ዘይከኣል እንትኸውን፣ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ተፈጥሮ እንተጋጥም ወይ እውን ጥዕና ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕማም እንትፍጠር፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌዴራል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ናይ ምውፃእ ስልጣን ከምዘለዎ ይድንግግ፡፡
ኣብቲ ዓንቀፅ 2(ሀ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ዝተኣወጀ እንተኾይኑ ካብ ዝተኣወጀሉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክቐርብ ከምዘለዎ ብዝብል ተደንጊጉ ኢዩ፡፡
ብምዃኑ ድማ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተሰናደአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፅባሕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ልዝብ ምስ ተገበረሉ ክፀድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!
ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!
መከላከያ ይደግፉ/ፋ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment