27 ዝተሰረቑ ካሜራታት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለየ መጠንን ምልክት ስርሒትን ዘለዎም 27 ዝተሰረቑ ካሜራታት ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ካሜራታት ትማሊ 17 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 8 ፍሉይ ሽሙ ማዕኸል ዕዳጋ ይርጋ ሃይሌ እናዳ ፅገና ካሜራ ከምዝተትሓዙ ገሊፁ።

መምርሒ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ዘይሕጋዊ ተግባርን ገበንን ንምክልኻል ከምኡ እውን ንምቁፅፃር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ÷ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ሽፋን ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተሰረቑ ካሜራታት እናተቐበለ ብሕሳር ዋጋ ዝሸይጥ ውልቀ ሰብ ከምዘሎ ፖሊስ ብመረዳእታ ከምዘረጋገፀ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ ሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ ብዝገበሮ ፍተሻ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም 27 ዝተሰረቑ ካሜራታት መቕረፂ ቪዲዮን መልዐሊ ፎቶን ከምዝሓዘ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተትሓዘ ውልቀ ሰብ ኣድላዪ ምርመራ እናተገበረ ከምዝርከብ ዝሓበረ ፖሊስ፤ ዝተሰረቐ ኣቕሓ ኣብ ዝገዝኡ ኣካላት ዝጀመሮ ቁፅፅር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ካሜራ ዝተሰረቖም ውልቀ ሰባት ናብ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ብምቕራብ ንብረቶም ንኽመርፁ ፖሊስ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment