ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ መረፃ ኣብ ዘይተኻየደሎም ክልላት ምርጫ ቀፃ ዕለት መውሀቢ ድምፂ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣  17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መረፃ ኣብ ዘይተኻየደሎም ክልላት ምርጫ ቀፃ ዕለት መውሀቢ ድምፂ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም መረፃ ኣብ ዘይተኻየደሎም ክልላት ምርጫ 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ድምፂ መውሃቢ ዕለት ንክኸውን ወሲኑ።

ብተወሳኺ እቲ ምውሃብ ድምፂ ኣብ ክልል ሶማሌ፣ ሐረሪን ደቡብ ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ከምዝፍፀም ገሊፁ።

ናይ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ህዝበ ውሳኔ ድማ  ብተመሳሳሊ 20 መስከረም  2014 ዓ.ም ክፍፀም ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment