24 ጥቅምቲ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ኣይድገምን-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ጥቅምቲ ኣብ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ፀሊም ነጥቢ ዘንበረ ኣጋጣሚ ብምዃኑ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ኣይድገምን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሃገሩ ዝኸፍሎ መስዋእትነት ብረግባር ካብ ዝተርኣየሎም መዓልታት ሓደ 24 ጥቅምቲ ከምዘኾነ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ፀሊም ነጥቢ ኣንቢሩ ዝሓለፈ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን እውን እንተኾነ ክድገም ዘይግባእን ታሪኽ ዘይርስዖን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንኢትዮጵያ ልዑል ዋጋ ዘኽፈለ፣ ናብ ዓዕናዊ ኲናት ዘእተወን ልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ዘስዓበን ብምዃኑ ክርሳዕ ዘይኽእልን ክድገም ዘይብሉን መሕፈሪን መሕዘንን ታሪክ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተገበረ ኲናት ብሰላም ስምምዕነት እንተተዛዘመ እውን፥ እቲ ዕለት ኣብ ታሪክና ከም ነውሪ ክቑፀር ዘለዎ ኢዩ ኢሉ።

ዝተፈፀመሉ ዕለት ትምህርቲ ዝውሰደሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ እቲ ዕለት ኩሉ ግዘ ክዝከር ይግባእ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment