24 ኣመራርሓታት ኣልሸባብ ሓዊሱ ልዕሊ 800 ተዋጋእቲ እቲ ጉጅለ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ፀፅታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ከይዲ 24 ኣመራርሓታት ኣልሸባብ ሓዊሱ ልዕሊ 800 ተዋጋእቲ እቲ ጉጅለ ከምዝተደምሰሱ ግዚያዊ ኮማንድ ፖስት ፀፅታ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ምውፋር ሓይሊ ምክልኻልን መተሓባበሪ እቲ ኮማንድ ፖስትን ሜጀር ጄነራል ተስፋዬ ኣያሌውን ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኮሚሽነር ጄነራል መሓመድ ኣህመድን ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ካብ 14 ሓምለ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ሸሊኹ ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ፤ ብዝተዋደደ ስጉምቲ ሓይሊ ፀፅታን ህዝቡን ሙሉእ ብሙሉእ ፈሺሉ።

ዲሽቃ ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ጉጅለን ነብሲወከፍን መሳርሒታት ከምዝተማረኹ እውን ተገሊፁ፡፡

ሜጀር ጄኔራል ተስፋዬ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ንምትርማስ ዝደልዩ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ውሽጢ ባንዳታት ብምቑፃር ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ ፀኒሖም ኢዮም።

ትልሞም ከምዝሓሰቡዎ ኣይዕወትን እንትብሎም ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኣልሸባብ ብድሕሪት ብምድጋፍ ከንቱ ፈተነ ምግባሮም ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታታ ተጠቒማ ንምልማዕ ዝጀመረቶ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ፈተነ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣልሸባብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዝዋሰኑዎም ከባቢታት ዝተወሰነ ሓይሉ ብ16 ተሸከርከርቲ ብምፅንን ዝተወሰኑ ድማ ፀልማት ሰበብ ብምግባር ብእግሮም ናብ ኢትዮጵያ ኣሽሊኹ ብምእታው መጥቃዕቲ ንምፍፃም ከምዝፈተነ ገሊፆም፡፡

ይኹ እምበር ሰራዊት ምክልኻል ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብምውዳድ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ናብ ኢትዮጵያ ሸሊኹ ንምእታው ዝፈተኑ ኣመራርሓታ እቲ ጉጅለ ሓዊሱ ተዋጋእቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተደምሰሱ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment