218 ካሻ መዐወኒ ሓሽሽ ናይ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ተታሒዙ

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት እናተጠቐመሉ ዝነበረ 218 ካሻ መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ግምባር ሑመራ ተታሒዙ ክቃፀል ከምዝተገበረ ሓላፊ ዲቪዥን 3 ዳይሬክቶሬት ሰሜን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮማንደር እንየው ኣለባቸው ገሊፆም።

እቲ መዐወኒ ሓሺስ ካብ ሑመራ ናብ ሱዳን ክሻገር እሞ ተቓሚሙ ብመልክዕ ሕሩጭ ናኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መሊስካ ንምክፍፋል ተሓሲቡ ከምዝነበረ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፖሊስ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ክትትል ከምኡ እውን ምማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዝተገበረ ጥቡቕ ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንፀላለዎ ክሕደትን ጨፍጫፍን ንምብእኣስ ከም ዓቢዪ መሳርሒ ከምዝጥቀመሉ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኣብ ምዝውዋር መዐወኒ ሓሽሽ ዝተሳተፉ ኣካላት ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፖሊስ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብሓባር ኣብ ዶብ ከባቢ ብንቕሓት እናሓለዉ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment