ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ ድምፂ ብዘይብሉ መሳርሒ ክትራን ክፍፅሙ ሓሲቦም ዝነበሩ 9 ውልቀ ሰባት ብምትሕብባር መናእሰይ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።
እቶም ተጠርጠርቲ ለይቲ ሰዓት 6 ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ከባቢ መናሃሪያ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።
ገዛ ንምዝራፍ ዘኸእልን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘብፅሑን በላሕቲ፣ ድምፂ ዘይብሎም መሳርሒታት ብምሓዝ እቲ ዘረፋ ክፍፅሙ ክብሉ 6 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ መናእሰይ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምትሕበባር ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓሎም ተገሊፁ።
እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ የግበረሎም ከምዘሎ ብምግላፅ፥ መናእሰይ ብምትሕብባር ፀፅታ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ውፅኢታዊ ምግባር ከምዝከኣል መርኣዪ ኢዩ ተባሂሉ።
ስለዝኾነ ኣብ ክፍላተ ከተማ መቐለ ኣስታት 250 ዝኾኑ መናእሰይ መሰረታዊ ሰልጠና ፖሊስ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።
ሓላፊ ፀፅታን ድሕንነትን ጊዚያዊ ምምሕዳር ዞባ መቐለ ገብረሚካኤል ሓየሎም፥ ፀፅታ እታ ከተማ ንምምሕያሽ ካብ ፌዴራል፣ ክልልን ከተማን ዝተዋደደ ስራሕቲ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽአል መፅናዕቲ ብምዝዛም ናብ ተግባር እእተ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ኣሰራርሓ ንክፍለ ከተማታት ዘካተተ ብምዃኑ ዝተዋደደ ስራሕቲ ንክምፍፃም ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ስሩዓት ፖላዊስ ቅድመ ሐዚ እውን ካብቲ ከባቢ ካብ ስራሕ ናይ ምጥፋእ ፀገማት ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሰሙን አውን ካብ ፖሊስ ዝጠፍኡ ኣባላት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
እቶም ዝጠፍኡ ኣበይ ከምዝኣተዉ ክሳብ ሐዚ መረጋገፂ ኣይተረኸበን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ክትትል ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ብሃይለየሱስ ስዩም
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።