21 ቢሊየን ብር ድጎማ ዝተገበረሉ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንሓረስቶት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንኽቐርብ ቁፅፅር ከምዝግበር ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንግስቲ 21 ቢሊየን ብር ድጎማ ዝተገበረሉ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንሓረስቶት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንኽቐርብ ኣድላዪ ቁፅፅር ከምዝግበር ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን ኣይተ ከበደ ላቀው፥ ንዘበነ ምህርቲ 2015/2016 ዓ.ም 12 ነጥ 8 ሚሊየን ኩንታል መዳበሪያ ካብ ወፃኢ ከምዝተገዝአ ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ዕድጊት ንምግባር ብሓፈሻ ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ድጎማ ምግባሩ ኣይተ ከበደ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሓደ ኩንታል መዳበሪያ ክሳብ 1 ሺሕን 566 ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ሓረስቶት ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝዓቕሞም ገዚኦም መፍረያይነት ንኸደንፍዑ ከምዝሕግዞም ገሊፆም፡፡

እቲ ድጎማ ናብ ሓረስቶት ንኽበፅሕ ድማ ኣብ ዝርገሐን ናይ መወዳእታ ዋጋን ኣድላዪ ቁፅፅር ከምዝግብር ኣረጋጊፆም፡፡

እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ክልላት በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ውዳበታት እቲ ዓውዲ ብምውዳድ ንምስራሕ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክልላት ዘሎ ነባራ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ተመን መሸጢ ዋጋ ሓደ ኩንታል መዳበሪያ ከምዝወፅአሉ ሓቢሮም፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተገዝአ 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል መዳበሪያ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ 5 ሚሊየን ናብ ሃገር ኣቲዩ ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment