ዩንቨርስቲ መቐለ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይን ብምዃን ኣብ ወረዳ እንደርታ ንዝርከቡ ሓረስቶት ግራውቶም ብትራክተር ይሓርሱሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ መቐለ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይን ካልኦትን ብምዃን ኣብ ወረዳ እንደርታ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ሓረስቶት ግራውቶም ብዘመናዊ ትራክተር ይሓርሱሎምን ደገፍን ክትትል ይገሩሎምን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ ደገፍ ኣብቲ ወረዳ መሕረሲ ኣቡዑር ንዘይብሎም ኣረጋውያንን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝተገበረ ከምዝኾነ ኢዩ ተገሊፁ።

ነቲ ሓገዝን ማሕረስን ዘተሓባብሩ ካብ ዩንቨርስቲ መቐለ ዝመፅኡ መሰረት ኣስማማውን ካብ ትካል ኤልሻዳይ ዶክተር ወልደ ኣብርሃ ሓድጉን ከምዝበልዎ፥ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንሓረስታይ ካብ ምክትታልን ምድጋፍን ብዝዘለለ ኣለናልካ ብምባል ናብ ማእተታዊ ሕርሽኡ ንክኣቱ ምግባር ኣገዳሲ ኢዩ።

“ክራማት መፂኡ ኣሎ፤ ክሕረስ ዝግበኦ መሬት ዝሕረሰሉን ዝለሳለሰሉን እዋን ድማ ሐዚ ኢዩ። ግራቱ ምሕራስን ምዝራእን ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ንዝኾኖ ሓረስታይ ምድጋፍ ድማ ነፅባሕ ዘይበሃል ኢዩ” ኢሎም እቶም መተሓባበርቲ።

እቲ ሓረስታይ እንተዘይኣፍሪዩ እቲ ካሊእ ክፋል ሕብረተሰብ እውን ክነብር ስለዘይኽእል፥ ኩሉ ሰባ መእንተ ባዕሉ ኢለየ ዝኸኣሎ ደገፍ ንክገብር ምዒዶም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ትራክተራት ጥራሕ ዝተሓፀረ ንከይኸውን ብሙሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዕን ካልኦት እታዎታትን ንምሕጋዝ ዘኽእል ምንቅስቓሳት እውን ይጠናኸር ኣሎ ኢሎም።

ደገፍ ዝረኸቡ ሓረስቶት ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም ሓገዝ አመስጊኖም።

እቲ ብትራክተራት ናይ ምሕራስ ተግባር ኣብ ካልኦት ወረዳታት እውን ከምዝቕፅል መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment