መሰረት ኩሎም ነገራትን መፍትሒ ኩሎም ፀገማትን ሰላም ጥራሕ ኢዩ-ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ፥ መሰረት ኩሎም ነገራትን መፍትሒ ኩሎም ፀገማትን ሰላም ጥራሕ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዓመታዊ ኣኼባ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ይካየድ ኣሎ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምኽፋት እቲ ጉባኤ ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መሰረት ኩሎም ነገራትን መፍትሒ ኩሎም ፀገማትን ሰላምን ሰላምን ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ መንግስት ይኹን ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ከምኡወን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣድላዪ ኩሉ ምፍፃም ተፅቢት ከምዝግበረሉ ገሊፆም።
ኣብዛ ሃገር ውሑስ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ክሊ ጠረጵዛ ተኣኪቦም ብምዝታይ፣ ብምርድዳእን ሃገራዊ ስምምዕነት ብምፍጣርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ወገናት እቲ ጉባኤ ብፀሎት፣ ይቕረ ይቕረ ብምብሃል፣ ብናውቲ፣ ብመፅለሊ፣ ምግብን መስተን ደገፍ ብምግባር ኣብ ጎድኖም ደው ክብል ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment