200 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ጉዳዮም ይረአ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና 200 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት ብዝተፈላለዩ ብርኪታት ብመሰረት ዝቐረቡ ብዙሓት ሓበሬታታት ምርመራ ብምግባር ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ጉዳዮም ይረአ ከምዘሎ  ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ጀማል ረዲ ገሊፆም።

እቲ ኮሚቴ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ምንቅስቓሱ ልዕሊ 90 መዛግብቲ ክስን ምርመራን ምውዳቡ ሓቢሮም።

ንግዕዝይና ተቓላዕቲ ዝኾኑ መሬት፣ ኮንስትራክሽን፣ ስርዓት ዕድጊት፣ ታክሲ፣ ዓውዲታት ጥዕናን ምህርቲን ተሓታትነት ንምንጋስን መጠን ተቓላዕነት ንምቕናስን ኣሰራርሓታት ይዝርግሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ሓበሬታ ዝቕበል፣ ዝእክብ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ዘካይድን ንኡስ ኮሚቴ ብምጥያሽ ናይ ምልላይ ስራሕ ምፍፃሙ እቶም ኮሚሽነር ንግዜኢ ሓቢሮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment